እዚ ጽሑፋት'ዚ ብተመሃሮ ቋንቋ ኣደ ትግርኛ ካልኣይ ደረጃ ዝተጻሕፈ ኢዩ። ተመሃሮ ባዕላቶም ይጽሕፉዎ፡ ብሓባር ኰይኖም ከኣ ይእርሙዎ። ብድሕሪኡ ናብ'ዚ መርበብ ይሰፍር። ካልኦት ተመሃሮ ኪጥቀሙሉን ከምኡ ኪገብሩን ብዙሕ ትጽቢት ኣሎና። ዚእረም ኣሎዎ ምስ እትብሉ ድማ እርማትኩም ክትልእኩልና ተስፋ ንገብር።

ዙረት ኣስመራ ባጽዕ
ብፈቨን ኣለምሰገድ
መቸም፡ ኵልና ከም እንፈልጦ፡ ህይወት ሰባት ብዝተፈላለየ መንገድታት ዝቘመ ኢዩ። ገለ ካብኡ ድማ ናይ ዙረት መደብ ኢዩ። ዙረት ድማ ሓደ ካብ’ቲ ደቂ ሰባት ኣብ ግዜ ዕረፍቶም ዝጥቀሙሉ፡ ናብ ደስ ዝበለካ ቦታ ምጋሽ መለት ኢዩ።