1. ዘይትርሳዕ መዓልቲ ብወጋሕታ ኣስፋው
ቅድሚ ሓደ ዓመት፡ ክረምቲ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፡ምስ መሓዛይ ኣብ ገዛ ዝነበርናሉ፡ ኣዝዩ ዓቕልኻ ዜጽብብ ሃሩር ኰይኑና ነበረ። ኣብ ገዛ ዝነበረ ማይ ወይ ዝሑል ነገር ንግዜኡ ጥራይ ኬዝሕለካ ይኽእል እምበር ፈጺሙ ዘይጠቕመካ። ከባቢ ሰዓት ሓደ ድሕሪ ቀትሪ ኢዩ ነይሩ። ምስ ሙቐት ኣብ ገዛ ኮፍ ክንብል ስለ ዘይከኣልና፡ ናብ ገምገም ባሕሪ ክንከይድ ወሲንና። መናጽፍናን መግብናን ሒዝና ድማ ኣብ'ቲ ገምገም ባሕሪ ኮፍ በልና።
ብፍላይ ምስ'ቲ ኣብ ገዛ ተዓቢጥናዮ ዝነበርና ሙቐት፡ ነዚ ምቹእ ዛሕሊ ምስ ረኸብና፡ ኣነን መሓዛይን በቃ ሓድሽ ህይወት ዝለበስና ኰይኑ ተሰመዐና። እቲ ብድሕሬና ዝነበረ ልሙዕ ኣግራብ፡ ጥዑም ንፋስ ነፊሱ፡ ካብ የማን ናብ ጸጋም ኪንቀሳቐስ ከሎ ኣዝዩ ባህታ ይህበካ። ንዓና'ውን ተመሊሱ ጥዑም ኣየር ይመልሰልና ነበረ። ከይተረድኣና ከባቢ ሰዓት ሽዱሽተ ኰይኑ። ምስ'ቲ ጥዑም ኣየር ብርሃን'ውን ስለዝነበረ ከይተረድኣና ግዜ ከይዱ።
ንዓይ እሞ ምስ ኣዝየ ዝፈትዋ መሓዛይን ጥዑም ኣየርን ዘይጽገብ ኰይኑኒ፡ ካብ'ቲ ኮፍ ኢልናሉ ዝነበርና ተንስኢ ኣይመጸንን፡ ውዒልካ ሓዲርካ ዘይስልችወካ ኰይኑኒ።
ከባቢ ሰዓት ሸውዓተ ይኸውን ግን ከም ሰብና ኣቝሑትና ጠርኒፍና ንገዛና ከድና።






