Till Tema modersmål

Tema modersmål - tigrinya

ጽውጽዋይ ወይኖ

Print
ወይኖ

ኣብ ሓደ ዓዲ ሰብኣይን ሰበይትን ምስ ክልተ ደቆም ይነብሩ ነበሩ። ደቆም ጓልን ወድን ነበሩ። ነታ በዅሪ ጓሎም ወይኖ ዚብል ስም ሃቡዋ። ነቲ ወዶም ከኣ ረድኢ በሉዎ። ኣዝዮም ሕጉሳት ከኣ ነበሩ። ሓደ መዓልቲ ኣደኦም ኣዚያ ሓመመት እሞ ቀልጢፋ ሞትተ። እቶም ቈልዑ ከኣ ዘኽተሙ።

 

ነቲ ንእሽቶ ወዲ ወይኖ ምስ ኣቦኣ ኰይኖም ኬዕብይዎ ጀመሩ። ኣቦኦም ግን ነዚ ናብራ'ዚ ኣይከኣሎን። ኪምርዖ መደበ። ትዀነኒ ዝበላ ሰበይቲ ከኣ ተመርዓወ።

እዛ ሰበይቲ ከምቲ ዝተጸበይዋ ኣይነበረትን። ወይኖን ሓዋን ብዙሕ ተጸገሙ። ዚኣክል መግቢ ስለ ዘይትህቦም ኪጠምዩ ጀመሩ። ንሱ ጥራይ ኣይኰነን። ወይኖ ስራሕ ገዛ ብምሉኡ ክትሰርሖ ተገደደት። ንሱ ምስ ወደአት ከኣ ናብ በረኻ ወፊራ ዕንጨይቲ ኣርያ ከተምጽእ ትለኣኽ ነበረት። ረዳእ ከኣ፡ ዋላ'ኳ ንእሽቶ እንተነበረ፡ ንግሆ ተሲኡ መሓሳኣትን ዕያውትን ሒዙ ንበረኻ ይወፍር ነበረ። ስራሓቶም እንተ ዘይገይሮም ከኣ ይቕጽዑ ነበሩ። ኣቦኦም ንዅነታቶም ኣይዕዘቦን ነበረ። ከይነግሩዎ ከኣ ፈርሑ። እታ ሰበይቲ ደጋጊማ ወለደት። ስራሕ ወይኖ ከኣ ብኡ መልክዕ በዝሐ።

ግዜ እናነውሐ ከደ። ወይኖ ከኣ ክንዲ ሰብ ኣኸለት። ከመርዕዉዋ ከኣ ደለዩ። ወይኖ ክትምርዖ ኣይደለየትን። ነቲ ኪምርዓዋ ዝደለየ ሰብኣይ ኣይፈተወቶን። ኣይደልን እንተበለት ዝሰምዓ ሰኣነት። ብሓይሊ ከመርዕዉዋ መደቡ። ስዋ ተጸምቈ። መግቢ ከኣ ተሰርሐ።

ወይኖ ነዚ ክትቅበሎ ኣይከኣለትን። ኣብ መዓልቲ መርዓኣ፡ካብ ገዛኣ ወጺኣ ናብ በረኻ ሃደመት። ኣብኡ ምስ ብጽሐት ብዙሕ ፈርሐት። ደሓር ግን ነታ ዓባይ ዳዕሮ ዓዶም ዘከረታ። ናብኣ ከኣ ከደት። ቅርብ ኢላ፡ "ዳዕሮ እንዳቦይ ዳዕሮ እንዳኖይ ኣዕቍብኒ ግዳ!" በለታ። እታ ዳዕሮ ከኣ ሓንቲ ጨንፈር ኣትሓተትላ። ብኣኣ ገይራ ናብ ላዕሊ ደየበት። እታ ዳዕሮ ከኣ ክሳብ ትጸግብ ኣብለዐታ። ካብቲ ልሙዕ ቈጽልታታ ገይራ ጽቡቕ መደቀሲ ገበረትላ። ግን ጽቡቕ ክትድቅስ ኣይከኣለትን። ንሓዋ ክትናፍቖ ጀመረት። ብእኡ ብዙሕ ክትሓስብ ጀመረት።

ስድራኣ ከም ዝጠፍአት ምስ ፈለጡ ኪደልዩዋ ንበረኻ ከዱ። ዓው ኢሎም ኪጽውዑዋ ጀመሩ። ጻዊዒት ምስ በዝሐ፡ ወይኖ ኣብ'ታ ኦም ኰይና መልሲ ሃበቶም። "ኪዱ ገዛኹም! ኣነ ኣይመጽእን ኢየ። ዳዕሮ እንዳቦይ ዳዕሮ እንዳኖይ ኣዕቍባኒትኒ ኣላ!" በለቶም። ኣቦኣ ካብታ ዳዕሮ ኬውርዳ ኢሉ ኪድይብ ፈተነ። እታ ዳዕሮ ድማ ንላዕሊ ክብ በለት። ምድያባ ከኣ ሰኣነ። ዚገብሩዎ ምስ ጠፍኦም፡ ሰብይቲ ኣቦኣ ክትልምና ጀመረት።
_ ወይኖ ወይኖ!
ስዋና መጺጹ
እንጌራና ነቒጹ ንዕባ ውረዲ! ኢላ ደረፈትላ። ወይኖ ግን ምውራድ ኣበየት።

ንጽባሒቱ፡ ንሓዋ "ኪድ ንሓውትኻ ኣምጽኣያ። በይንኻ ከይትምለስ!" ኢሎም ለኣኹዎ።
ረድኢ፡ እናጐየየ ናብ ሓውቱ ከደ። ዓው ኢሉ ከኣ " ወይኖ ሓውተይ! ኣምጽኣያ ኢሎም ካብ ገዛይ ሰጒጎምኒ። መግቢ ከሊኦምኒ። ብጃኺባ ንዒ ውረዲ!" በላ።

ወይኖ ድምጺ ሓዋ ምስ ሰምዐት ብዙሕ ተሓጐሰት። ቅድም በይኑ ከም ዝዀነ ኣረጋገጸት። ደሓር "ዳዕሮ እንዳቦይ ዳዕሮ እንዳኖይ ኣውርድኒ ግዳ!" በለታ። እታ ዳዕሮ ሓንቲ ጨንፈር ለጠቕ ኣበለትላ። ወይኖ ንሓዋ ሓቚፋ ሰዓመቶ። ካብታ ዳዕሮ ዝረኸበቶ መግቢ ኣብለዐቶ። ምስኣ ኪጻወት ወዓለ። ናብ ገዝኡ ኪምለስ ከሎ፡ ኣጆኻ፡ ኵሉ ግዜ መሓስኣት ክትሕሉ ከለኻ ናባይ ምጻእ። ካብ'ዚ ዳዕሮና እትህበኒ መግቢ ከብለዐካ ኢየ" በለቶ። ረድኢ! "ወይኖ ሓውተይ ምሳኺ ዘይነብር?" በላ።
ወይኖ ከኣ " ረድኢ ሓወይ ክልቴና እንተ ጠፊእና ደኣ ገዛና መን ኪሕሉዎ። ንግዜኡ ንስኻ ተመለስ። ኣነ ከኣ ግዜኡ ምስ ኣኸለ ክመጽእ ኢየ፡" ኢላ ከይፈተወ ንገዛ ኣፋነወቶ። ግን መዓልቲ መዓልቲ ኪበጽሓ ይመጽእ ነበረ። ንሳ ኸኣ ኣብሊዓ፡ኣስትያ፡ ናብ ሩባ ወሲዳ ክዳኑን ኣካላቱን ሓጺባ ተፋንዎ ነበረት። ረድኢ ከኣ ኣካላቱ ኪስስን ጀመረ።
ወይኖ፡ መሬት ጽምው ምስ በለ፡ ካብ ዳዕሮ ወሪዳ ናብ ሩባ ከይዳ ትዘናጋዕ ነበረት። እንተዀነ ጽምዋ ኪብርትዓ ጀመረ። ዝን ክትብል ከኣ ጀመረት።

ሓደ መዓልቲ፡ ኣብ ገምገም ሩባ ኮፍ ኢላ ክትሓስብ ከላ፡ ሓደ ገጹ ዝተሸፈነ ሰብ ምጽእ በላ። ኣዝያ ከኣ ሰንበደት። ንሱ ግን "ኣጆኺ ኣይትሰንብዲ። ኣብዛ ሩባ ብዙሕ ግዜ ኢየ ዝርእየኪ። ተሓቢአ ምስ ሰዓብኩኺ ከኣ ኣብታ ዳዕሮ ከም እትነብሪ ፈሊጠ። ኣነ'ውን ካብ ሰብ ሃዲመ፡ ኣብዚ በረኻ ኢየ ዝነብር። ንስኺኸ እንታይ ኴንኪ ኢኺ ኣብዛ ኦም ትነብሪ ዘለኺ?" ኢሉ ሓተታ። ንሳ ከኣ ዛንታኣ ነገረቶ።
መሊሳ ከኣ "ንስኻኸ ስለምንታይ ንበይንኻ ኣብ በረኻ ትነብር ኣለኻ?" ኢላ ሓተተቶ።
ንሱ ከኣ፡ "ታሪኸይ ሕጂ ኣይነግረክን ኢየ። ግን ሰላማዊ ሰብ'የ። ኣብዚ በረኻ ብዙሕ ኢዩ ዚጽምወኒ። ስለዚ ፍቓድኪ እንተዀይኑ፡ ሰብ ኣብ ዘይብሉ እዋን ብሓንሳብ ነዕልል፡" በላ። ወይኖ መጀመርያ ተጠራጠረት። ደሓር ግን ኣመነቶ። ሰብ ኣብ ዘይብሉ እዋን ከኣ ብሓባር ኬዕልሉን ኪጻወቱን ጀመሩ።
ኣጸቢቖም ምስ ተፋለጡ፡ ወይኖ ድፍር ኢላ፡" ሎምስ መሓዙት ኰንና ኢና። ምእንቲ ከለልየካ ገጽካ ኣርእየኒ፡" በለቶ።
- ገጸይ እንተ ኢኺ፡ ክትስንብድን ክትጸልእንን ኢኺ። ስለዚ ምርኣየይ ይትረፍኪ። ከምዘለናዮ ምሕዝነትና ይሕሸና።
- ኣይፋልካን! ግዜ ይቕየረልና ይኸውን። ኣብ ስሩዕ ናብራና ንምለስ ንኸውን። ሕጂ እንተ ዘይርእየካ ዳሕራይ መዓልቲ ከመይ ገይረ ከለልየካ?
- ደሓን፡ ንስኺ እንተ ዘየለለኽኒ፡ ኣነ ባዕለይ ከለልየኪ ኢየ።
- ኣይፋልን! ኣነ እንተ ተቐየርኩኸ። ንዓ ደኣ ኣርእየኒ በለቶ እሞ ተገዲዱ ግጹ ከፊቱ ኣርኣያ።
ከም'ቲ ዝገመቶ፡ ገጹ ርእይ ምስ ኣበለት ሰንበደት። ግን ኣይጸልኣቶን። ገጹ ሓደ ክፉእ እንስሳ ኢዩ ዚመስል። ኣእዛኑ ከኣ ኣዝዩ ነዊሕን ሸሊሕን ነበረ።
- ረአኺ! ዘይምርኣየይ ምሓሸኪ። ሕጂ ምሳይ፡ ካብ'ቲ ዝኸፍአ እንስሳ ዝኸፋእኩ ፍጥረት ከመይ ጌርኪ ትጻወቲ?
- ከምኡ ኣይትበል! ንስኻኳ ዘለኻዮ። ኣነስ ምሳኻ ምጽዋት ጸገም የብለይን። ግን እንታይ ኰንካ ከምዚ ኰንካ?
- እቲ ዛንታ ነዊሕ ኢዩ። ስድራይ ውላድ ኣይነበሮምን። ደሓር ሓንቲ ጓል ሕድርትና፡ ክትወልዱ ኢኹም፡ ግን ምስ ወለድኩም እቲ ቀዳማይ ውላድኩም ንዓይ ትህቡኒ ዲኹም በለቶም። ኣቦይን ኣደይን ከኣ ሕራይ በሉዋ። ድሕሪ ክልተ ዓመት ኣነ ተወለድኹ። ጓል ሕድርትናት፡ ክትወስደኒ መጸት። ስድራይ ግን ቃሎም ኣየኽበሩን። ከልኡዋ ከኣ። ንሳ ከኣ "በሉ፡ ቃልኩም ካብ ዘይሓለኹም እዚ ወድኹም ምስ ጐበዘ ካብ'ቲ ዝኸአፍ እንስሳ ዚኸፍእ ኪኸውን'ዩ። ብመልክዑ ስለ ዚሓፍርን ሰብ ስለ ዘሸግሮን ገዲፉኩም ኣብ በረኻ ኪነብር'ዩ፡" በለቶም። ከምቲ ዝበለቶ መልክዐይ ምስ ተቐየረ ሰብ ምሕላፍ መንገዲ ከልአኒ። ዓቕለይ ምስ ጸበበኒ ሃጽ ኢለ ናብዚ በረኻ ሰፈርኩ። ክብል ክብል ከኣ ንዓኺ ረኺበ። ድሕሪ ነዊሕ ምስ ሰብ ኣዕሊለ። ሕጂ ኸኣ እንተ ጸሊእክኒ ከልግስ እኽእል'የ።
-ኣይፋልካን! ኣነ ኣይጸልአካን ኢየ። መሊሰ ኣብ ጽምዋ ክኣቱ ኣይደልን'የ። በጃኻ ኣይትጥፋኒ።
- ኣነስ ኣይጠፍእን'የ። በሊ ሕጅስ መስዩ ኢዩ'ሞ ጽባሕ የረኽበና - ተባሃሂሎም ተፈላለዩ። ንንውሕ ዝበለ መዓልታት ብኸምዚ ኣሕለፉዎ።

ሓደ መዓልቲ፡ ወይኖ ከም ኣመላ ንመሓዛኣ ክትረክብ ናብታ ዝራኸቡኣ ዝነበሩ ሩባ ከደት። መሓዛኣ ግን ከይመጸ ተረፈ። ወይኖ፡ ብዙሕ እናሓሰበት ናብ ዳዕሮኣ ተመልሰት። ደጋጊማ ናብቲ ቦታ ተመላለሰት። ንሱ ግን ኣይተቐልቀለን። ከይቀበጸት ናብቲ ሩባ ተመላለሰት። ሓደ መዓልቲ፡ ብርሑቕ ሓደ ሰብ ኪመጽእ ረኣየት'ሞ ፈርሐት። ናብ ዳዕሮኣ ክይትጐዪ ግዜ ኣይነበራን። ስለዚ፡ ኣብ'ቲ ጥቓ ሩባ ዘሎ ኦም ተሓቢኣ ከተማዕዱ ጀመረት። እቲ ሰብ እናቐረበ መጸ። ወዮ መሓዛኣ ምዃኑ ከኣ ኣረጋገጸት። እናጐየየት ናብኡ ከደት። ሓቚፋ ከኣ ሰዓመቶ። ንኡ ከኣ ብዙሕ ተሓጐሰ። ብብርቱዕ ሓሚሙ ከም ዝነበረ ከኣ ገለጸላ። ዋይ ሓወይ ኢላ፡ መሊሳ ደጊማ ሰዓመቶ። መሓዛኣ ኣዝዩ ተሓጐሰ። መሐጐሲኡ ንወይኖ ኣይነገራን። ግን ንሳ እናጠመተቶ ከላ መልክዑ ኪቕየር ጀመረ። ቀስ ብቐስ ከኣ ናብ ሓደ ምልኩዕ ጐበዝ ተቐየረ። ወይኖ ምርዳእ ሰኣነት።
ወዮ መሓዛኣ፡" ኣይትገረሚ! ዝፈወስክኒ ንስኺ ኢኺ። እታ ጓል ሕድርትና፡ ስራይካ ዜልግሰልካ ሓንቲ ግርህቲ ጓል ብፍቕሪ ምስ ሰዓመትካ ጥራይ ኢዩ ኢላትኒ ነይራ'ያ። እዛ ፈውሲ ንሰብ እንተ ነጊረያ ከኣ ፈጺመ ከም ዘይሓዊ ነጊራትኒ ነይራ። ስለዚ ኢየ ዘይነገርኩኺ። ሕጂ ግን ፍቓድኪ እንተ ዀይኑ፡ ኣብ ትሕቲ ዳዕሮ እንዳቦና ኴንና ንመርዖ በላ። ንሳ ከኣ ብዘይ ጥርጥር ሕራይ በለቶ። ኣብ ትሕቲ ዳዕሮ ኴይኖም ከኣ ቃል ኪዳን ኣሰሩ።
በሊ፡ ካብ ዝነበረኒ ስራይ ኣሕዊኺኒ። መን ምዃነይ ከይፈለጥኪ ከኣ ምሳይ ቃል ኪዳን ኣሲርኪ። እዚ ንዓይ ኣዝዩ ዓቢ ህያብ ኢዩ። ኣነ ከኣ፡ ዋላ'ኳ ክንዲ'ቲ ናትኪ ኣይኹን እምበር ሓንቲ ህያብ ክህበኪ ኢየ። ኣነ ዓቢ ወዱ ንንጉስ ኢየ። ስለዚ ንስኺ ንግስተይ ኢኺ። ድሕሪ ሕጂ ምሕባእ ኣየድልየክን'ዩ። ጽባሕ ናብ እንዳቦይ ክንከይድ ኢና። ንሓውኪ ከኣ ምሳና ክንወስዶ ኢና በላ። ከምኡ ከኣ ገበሩ። ዕድመኦም ምሉእ ከኣ ብሓጐስ ኣሕለፉዎ።


እዚኣ እንተ ረሲዕኩም ሞት ትረስዕኩም።

 

®Minya Tseggay

 

 

Download

geezmahtemfont



Ladda ner fonten för att kunna läsa texten


keyboard
Online Keyboard


እዚ ንፈተነ ጥራይ ኢዩ። ኣብ ቀረባ ተኣሪሙ ኪቐርብ ኢዩ።

bildtema-ikon
Bildtema



tigrinya_abc
Alfabet